

ንህቦ ኣገልግሎት
ቪዛ
ሄቨብ መገሻታትን ዑደታትን ፣ ብውልቂ ፣ ብሓባር ኮነ ብትካል ንዚመጹና ኣገልግሎት ናይ ቪዛ ሓገዝ ንገብር ።

መድሕን ናይ መገሻ
ኣስተውዕሉ ፣ መገሻኹም ብኹሉ ድልው እዪ ምኽንያቱ ሄቨን መገሻታትን ጉዕዞታትን ምስ ትካል መድሕን ጋውዳ (Gouda ) ኮይኑ መድሕን ኣዳልይልኩም ኣሎ።

በረራ ምሕዛእ
ናይ ኣየር ትኬትኩም ብመገዲ ሄቨን መገሻታትን ዑደታትን ክትቆርጹ ትኽእሉ ኢኹም። ብምድዋል ድማ
ህልው ዋጋታት ትኬት ክትፈልጡ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ብመገዲ መርበብ ሓበሬታና
ጌርኩም ብቐጥታ ፡ ትኬት ክትዕድጉ ክከኣል እዩ።

ብሕታዊ ኣገልግሎት
ንብረት ምዕሻግን ብመርከብን ኣየርን ካርጎ ንምልኣኽ ሓገዝ
ንህብ። ንተወሳኺ ሓበሬታ
ደውሉ
ዑደት ናብ ቅዱስ ቦታታት
ውህሉል ስእላውን ውዱእን ፣ ዑደት ናብ ቅዱስ ቦታታት ገለ ካብ ዘሎና

ቅድመ መገሻ
ዝርዝራዊ ብዛዕባ ንመገሻና ዚምልከት ማለት ቪዛ ፣ ክትባት ፣ ባጤራ ፣ ኩነታት ኣየር ፣ ዘድልየና ዓይነት ክዳንን ሓቤረታ ነዳሉ። ቅድሚ ዑደት ምጂማርና ብዛዕባ ንዑደትና ዚምልከት ሓበሬታ ንምሃብ ኣኼባ ነዳሉ።
ኣብ ናይ መገሻ ቦታና ምስ በጻሕና ድማ ዘድልየና መሳለጥያታት ይውሃበና።

ብዛዕባና
ትካልና ሄቨን መገሻታትን ዑደታትን ናብ ኤርትራን ኢትዮጵያን እስራኤልን ብምቱካር ፣ መገሻታትን ዑደታትን ናብ ታሪኻዊ ፣ ቅዱስን ኣዝዩ ማራኽን ስፍራን ዘዳሉ እዩ። ሰራሕተኛታት እዚ ትካል ፣ ነቲ ቦታታት ብኣካል ብምብጻሕን ምዕዛብን ዘዋሃህድናዮ ዑደት ብምዃኑ ፣ ንተገልገልትና ዓቢ ቅሳነት ዚህብ
እዩ። ንኩሉ ሆቴል፣ ኣውቶቡሳትን ዙረቱን ብኣካል ዝረኣናዮ ኢና።
ዓቢ ሓጎስ ይስምዓና ናይ መጀመርታ ወኪል ጉዕዞ ኮይና ብቛንቛታት ኣምሓርኛ ፣ ትግርኛ ፣ ሽወደንን እንግሊዘኛን ኪእላታት መራሕቲ ዚካየድ ዑደት ምህላውና። ብቑዕ ኣገልግሎት ብምሃብ ንኣምን ። ኩሎም ገያሾና እኹል ሓበሬታን ንመገሻኦም ዘድሊ መሳለጥያን ንቕርብ። ምሳና ምጋሽ ካብ ካልኦት ፍልይ ዝበለ እዩ።
ብድሓን ምጹ ናብ ሄቨን መገሻታትን ዑደታትን
ራእይና
*ፋይንሳዊ ሓገዝ ንዘኽታማት ቆልዑን ቤት ትምህርቲ ንኽረኽቡን። 10% ኣታዊና ናብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብቐጥታ ዚስደድ እዩ።
*ትግርኛ ፣ ኣምሓርኛ ፣ ሽወደን እንግሊዘኛብ ተዛረብቲ መራሕቲ መገሻ
*ከባቢያዊ ሆቴልላት ወኪላትን መጉዓዚታትን ንምጥቃም
*ቅድምን ድሕርን መገሻ ጽቡቕ ሓበሬታ ምሃብ
*ግላውን ኪኢላውን ኣገልግሎት ብቛንቛ ትግርኛ ፣ ኣምሓርኛ ፣ ሽወደንን እንግሊዘኛን ምሃብ
*ተዓጻጻፍን ምሉእን ኣገልግሎት
*ትካልና ብ 5 ኣዕኑድ ዝቖመ ፣ ሕያውነት ፣ ኣገልግሎት ፣ ፍቕሪ ፣ ደስታን መንፈሳዊ ጉዕዞን
ንመገሻኻ ብሄቨን መገሻታትን ዑደታትን ጀምሮ


ኣድራሻና
Rinkebytorget 8
163 73 Spånga
info@heaventraveltours.cse
ቁ. ስልኪ +46(0)76-283-2759
ቴሌፍን ሰዓታት
ሰኑይ – ዓርቢ 09.00 – 18.00
ቀዳም 11.00 – 16.00
ሰንበት 12.00 – 16.00










